ኣብ እዋን ዕጽዋ ኢንተርኔት ምጽሓፍ፡ ግብራዊ ተኸታታሊ ብሎግ

$0.00

Description

ምስ ምዕጻው ኢንተርነት ዘጋጠሞም ደለይቲ ፍትሒ ብዝገበርናዮ ስራሕ ኣብዚ ተኸታታሊ መደብ እነካፍሎም ዘለና ገለ ጠቐምቲ ምኽርታትን ኣገባባትን ኣብ እዋን ምዕጻው ኢንተርነት ቪድዮ ሰነዳት ንምቕራጽን ንምዕቃብን ተማሂርና ኣለና። መሳርሒታት ኣንድሮይድ ኣብ ግምት ብምእታው ዋላ እንተጽሓፍናዮም እንተኾነ ግን እቶም ምኽርታት ኣብ ኣይፎናት እውን ክትግበርዎም ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ካብ’ቶም ስትራተጂታት ኣቐዲምካ ምውጣን (መብዛሕትኡ ግዜ’ውን ኢንተርነት) ዝሓትት’ዩ ስለዚ ቅድሚ ኢንተርነት ኣብ ዘይብልካን ክትስነድ ዘድልየካን ኩነታት ምእታውካ ምግምጋምን ዝኾነ ስጉምትታት ምትግባርን ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ። ናይ ዝኾነ ካብቶም ትምህርቲ ቅዳሕ ኣቐምጥ ምእንቲ ኣብ እዋን ምዕጻው ክትውከሶም ወይ ከተካፍሎም ትኽእል። ኣብ መወዳእታ ድማ ቅድሚ ኣብ ቅልውላው ኩነታት ምእታውካ ካልኣይ ባህሪ ንኽኾኑ ኣብ መዓልታዊ ስራሕካ ዝርከቡ ሜላታትን ኣገባባትን ምልምማድ ጀምር።

https://wit.to/Internet-Shutdowns

Help WITNESS create more human rights change

Join us by subscribing to our newsletter.

Support WITNESS